SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
By SBS
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Latest episode
-
ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሚያዝያ 2024)
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዉግእ ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ኣውስትራሊያ ይዝከሩ ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ክልተ ዓበይቲ ሆስፒታላት ጋዛ ዝተረኽበ ናይ ብዙሃት ሬሳታት ጉድጓድ ፡ ብናጻ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ምላሽ ካብ ዝተሓስበ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ዝተረኽበ 287 ሚልዮን ዶላር ጥራይ፡ ምዃኑ ተገሊጹ። -
"ምስጢር ጥዑም ጸብሒ ኣብ ሽጉርትን ኮሚደረን’ዩ ዘሎ።" ከሻኒ ኣሮን ዑመር
ኣሮን ዑመር፡ ካብ ሱዳን ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝስደድ ዉሑድ ዓመታት ጥራይ እዩ ኣቚጺሩ ። እንተኾነ ካብ ዓድን ሱዳንን ኣትሒዙ ምኽሻን ምስ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ በበይኑ ዉራያት ብዘቕርቦ ዘሎ ምዑዝ ምግብታት ቅልጡ ተቐባልነት ይረክብ ኣሎ። ምስ ከሻኒ ባህላዊ ምግቢ ሓበሻ ኣሮን ዑመር ዝተገብረ ዕላል ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ። -
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሚያዝያ 2024)
ንሎሚ ሓሙስ 25 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝመጽእ ዉሑድ ዓመታት እኳ እንተኾኖ፡ ኣብ ዉራያት ብዘቕርቦ ዘሎ ምዑዝ ምግብታት ተፈላጥነት ዝረክብ ዘሎ ከሻኒ ባህላዊ ምግቢ ሓበሻ ዝኾነ ኣሮን ዑመር ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ኣለና፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘ… -
ኣብ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 21 ሰባት ሞይቶም።
ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት መግለጺ ሂቡ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደቡባዊ ትግራይ ዘጋጠመ ግጭት፡ ስሩዕ ሓይልታት ዝተሳተፍሉ ጐንጺ ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ምላሽ ካብ ዝተሓስበ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ዝተረኽበ 287 ሚልዮን ዶላር ጥራይ፡ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒ… -
#60 Talking about commemorating | Anzac Day (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ ዝርርብ ብዛዕባ ዝኽሪ መዓልቲ ኣንዛክ (Anzac Day)
Learn how to talk about commemorating Anzac Day, plus find out why it's important for all Australians. - ብዛዕባ ዝኽሪ መዓልቲ ኣንዛክ ከመይ ጌርኩም ከም እትዘራረቡ ተምሃሩ ፡ ከምኡ ውን ንኹሎም ኣውስትራሊያዊያን ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ፍለጡ ። -
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሚያዝያ 2024)
ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 23 ሚያዝያ 2024፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ፡ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ሓደገኛ ናይ ቃልሲ ዞባ ከም ዘለዉ ብምጥንቃቕ ፡ ካብቲ ክግዕዙ ኣዚዙ ። ቀ/ ሚ ብሪጣንያ ሩሺ ሱናክ ፡ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ናይ 'ዚ ዓሰርተ ዓመት ፡ ናይ ምክልኻል ወጻኢታታ ናብ 2.5 ሚኢታዊ ካብ ጅምላ ሃገራዊ እቶታ ክብ ከተብሎ ምዃና ገሊጹ ። ኣርሰና… -
ደቀባትን ምስ መሬቶም ዘለዎም ዝምድናን (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)
ህዝብታት ኣቦርጅንን ደሴታት ቶረስን ፡ ምስ መሬቶም ዓብዪ መንፈሳዊ ምትእስሳር ኣለዎም ፣ እዚ ከኣ ምስ መንነቶምን ምስ ዝምዒት ናተይነትን ምስ ኣገባብ ኣነባብራ ህይወቶምን ዝተሓሓዝ እዩ ። ነቲ መሰረት ህላወኦምን ሓላው ዛንታኦምን ዝዀነ መበቆል ዓዶም ድማ የመልክት ። -
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ሚያዝያ 2024)
ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 23 ሚያዝያ 2024፡ ብ ቢልዮነር ኤሎን ማስክ ዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ (X ) ፡ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝተሓሓዝ ምስልታት ቪድዮ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ክኣልዮ ተሓቲቱ። መስርሕ ምጥራዝ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ኣብዝመጽእ ወርሓት ሳመር ከምዝጅምር ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሩሺ ሱናክ ገሊጹ። ዝተኸልከሉ መነቓቕሒ መድሃኒታት ወሲዳ ዝ… -
ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሚያዝያ 2024)
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብቲ ኣብ ሲድኒ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ፡ ኣብቲ እዋን ተወጊኣ ሆስፒታል ዝኣተወት ጓል ትሽዓተ ወርሒ ህጻን ካብ ሆስፒታል ወጺኣ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ነቲ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት እስራኤል ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ኢላ ክትትግብሮ ወጢናቶ ዘላ እገዳታት ከም ዝቃለሶ ገሊጹ ። ሚኒስትሪ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ኤርትራ ምስ ሕቡራት ሃገራት ልምዓታዊ ስምምዕ … -
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሚያዝያ 2024)
ንሎሚ ሰኑይ 22 ሚይዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኮሚሽን ምርመራ ምጽናት ዓሌት ትግራይ ብመንግስቲ ፌደራል ኣፍልጦ ረኺቡ። "ሰራዊት ሚድያ' ሰልፊ ብልጽግና ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ምስታፎም መርመራ ተረጋጊጹ ካብ ተጠቃዕቲ ናይቲ ሓበሬታ ኣብ መሪሕነት ህወሓት ዘለዉ ኣካላት ምዃኖም እውን ተሓቢሩ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻ…